Description
ስልጠና መጽሓፍ ምጽሓፍ ደራሲ ምኳን ዝበለጸ ስልጠና ብምኩራት መምሃራን፡ ከመይ ገይርና መጽሓፍ ንጽሕፍ፡ ካብ መጽሓፍ ምጽሓፍ ክሳብ መጽሓፍ ምሕታምን ምዝርጋሕን ሃብታም ትሕዝቶ ዝሓዘ ስልጠና። ኣዝ'ዮም ብዙሓት ሰባት መጻሕፍቲ ክጽሕፉ ክቱር ድልየት ኣለዎም። መጽሓፍ ከመይ ገይርካ ይጽሓፍን፡ ሓሳባትና ብከመይ ብግቡእ ይቕመጥ፡ ኣብ ወረቀት ብከመይ ይሰፍር፡ ብከመይ ይሕተምን ይሽየጥን ኣፍልጦ ዘይምህላው፡ ካብ ሕልሞም ዝተኰልፉ ውሑዳት ኣይኰኑን። መጻሕፍቲ ክትጽሕፉ፡ ከተሕትሙ፡ ደረስቲ ክትኰኑ ድልየትን ሕልምን ዘለኩም፡ እዚ ስልጠና ንዓካኩም ዝተዳለወ እዩ።
ትምህርቲ ዝጅምረሉ ዕለት
ኣብ ዓመት እዞም ዝስዕቡ ዕለትታት፡ ሓደስቲ ተማሃሮ ተቀቢልና ንምህር፡ ትምህርቲ ዝጅምረሉ ዕለት ብምርኣይ፡ ቅድሚ ትምህርቲ ዝጅምረሉ ዕለት ክንምዝገብ ምዝገባ ክፉት እዩ።
1ይ ዙር | ዕለት 1/01/2025 |
2ይ ዙር | ዕለት 1/03/2025 |
3ይ ዙር | ዕለት 01/05/2025 |
4ይ ዙር | ዕለት 01/07/2025 |
5ይ ዙር | ዕለት 01/09/2025 |
6ይ ዙር | ዕለት 01/11/2025 |
ትሕዝቶ ትምህርቲ
- መደብ ምውጻእ መጽሓፍ ምብጻሕ
- ኣጸሓሓፍ መጽሓፍ
- ልምምድ መጽሓፍ ምጽሓፍ
- መጽሓፍ ምቅንባር
- መጽሓፍ ምሕታም
- መጽሓፍ ምርጋሕን ምሻጥን
ዝኰነ ተማሃራይ ነዚ ትምህርቲ ብግቡእ ዝዛዘሞ፡ ነብሱ ክኢሉ ባዕሉ መጽሓፍ ክጽሕፍን ክዝርግሕን ከምዝክእል ጥርጥር የብልናን። ትሕዝቶ ናይ ትምህርቲ ወይ ካልክሌም ድማ ነዚ ዕላማ ዝገበረ እዩ።
ውጥን ትምህርቲ
- ትምህርቲ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ እዩ።
- ቀዳምን ሰንበትን
- ንውሓት ትምህርቲ ሓደ ወርሒ
- ሰዓት ካብ 20፡30 - 22፡00 ፡ ኣቈጻጽራ ሰዓት ብናይ በርሊን ጀርመን እዩ።
ክፍሊት
- ዋጋ 199 ንምሉእ ስልጠና
- ሕሳብ ኣብ ምዝገባ ይክፈል
ሕልም'ኩም ከተግህዱ፡ መጽሕፍቲ ብዘይ'ዝኰነ ጸገም ክትጽሕፉ፡ ወነንቲ ሕልምኩም ክትኰኑ፡ እዚ ትምህርቲ ንዓኩም እዩ። ቦታ ከይመልአ ክትምዝገቡ ደስ ይብለና።