ትምህርቲ ቋንቋ ትግርኛ ንላዕለዎት ኣዝዩ ሰፊሕን ምዕቡልን ትሕዝቶ ዝተዳለወ፡ እዚ ደረጃ ትምህርቲ እዚ ምስ ንምሃሮ፡ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ብዝንኣድ ብቕዓት ክንዛረብ፡ ክንጽሕፍ ፡ ክንሰምዕ ከምኡ 'ውን ከነንብብ ጸገም ኣይኽህልወናን እዩ፡ ቋንቋ ትግርኛ ንላዕለዋይ ብምምሃር ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ዓቢ ኣፍልጦ ክህልወና እዩ።
ትምህርቲ ብርሕቀት ወይ ብኦንላይን እዩ ዝወሃብ፡ ካብ ምሉእ ዓለም ኣብ ገዛና ኰይንና ክንምሃር ንክል ኢና። ክትምሃሩ ምስ ትደልዩ ክትምዝገቡ ደስ ይብለና።
መመዝገቢ፡ ኣብ ወብሳይትና ፎርም ብምምላእ ክትምዝገቡ ይክኣል እዩ። ምስ ተመዝገብኩም ክንረክበኩም ኢና።
ትምህርቲ ዝጅምረሉ ዕለት ውጥን 2025፣
ኣብ ዓመት ኣርባዕተ ግዜ ሓደስቲ ተማሃሮ ተቀቢልና፡ ትምህርቲ ቋንቋ ትግርኛ ደረጃ ላዕለዋይ ንምህር። ኣብ'ዚ ታሕቲ ዘሎ ዕለት ብምርኣይ፡ ቅድሚ ትምህርቲ ዝጅምረሉ ዕለት፡ ድቕኩም ወይ ባዕልኩም ቋንቋ ትግርኛ ክትምሃሩን ክትመልኩን ከትምዝገቡ ደስ ይብለና።
1ይ ዙር | ትምህርቲ ዝጅምረሉ ዕለት 01/01/2025 |
2ይ ዙር | ትምህርቲ ዝጅምረሉ ዕለት 01/04/2025 |
3ይ ዙር | ትምህርቲ ዝጅምረሉ ዕለት 01/07/2025 |
4ይ ዙር | ትምህርቲ ዝጅምረሉ ዕለት 01/10/2025 |
ትሕዝቶ ትምህርቲ
- ሰፊሕ ትምህርቲ ብዛዕባ ሰዋስው ትግርኛ
- ሰፊሕ ሌላ ምስ ባህልን ሃገርን ብቋንቋ ትግርኛ
- ሌማ ምስ ዓለም ብዕምቈት ብቋንቋ ትግርኛ
- ቁጽርታት ብቋንቋ ትግርኛ
- ዓበይቲ ጽሑፋት ምንባብን ምጽሓፍን
- ትርጉም ኣገደስቲ ቃላትን ምሉእ ሓሳባትን
- ትርጉም ጽሑፋትን ጽሑፍ ምርዳእን
- ኣዘራርባ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብቋንቋ ትግርኛ
- ቅኑዕ ኣጸሓሕፋ ቋንቋ ትግርኛ ብሓጺርን ነዊሕን ወ፡ዘ፡ተ …
ውጥን ትምህርቲ
- ንውሓት ትምህርቲ 3 ወርሒ
- መዓልቲ ቀዳመ ስንበት
- ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ
- ኣብ መዓልቲ ሰዓትን ርብዕን
- ተወሳኪ ንጥፈታት፡ ኣብ ትምህርቲ ዘይብሎም መዓልቲ
ክፍሊት
ዋጋ |
ንሓደ ተማሃራይ Є100 ንወርሒ | ን3 ወርሒ Є300 |
ምጉዳል ዋጋ ንስድራቤት |
|
ኣገዳሲ ሓበሬታ |
ትምህርቲ ዝተረፈ ተማሃራይ፡ ብነጻ ትምህርቲ ይደግም |
መተሓሳሰቢ፤
ቅድሚ ምምዝጋብና፡ ደቕና ወይ ባዕልና ክንምዝገብ ከለና፡ ነዚ ደረጃ ትምህርቲ ብቅዓት ከምዘለና ከነረጋግጽ ኣለና፡ ዝዀነ ምክሪ ተደሊኹም፡ ክትረክቡና ብትሕትና ንሓትት።
ቅድሚ ሕጂ ምሳና ተማሂሮም ምስክር ወረቀት ዝሃብናዮም ተማሃሮና፡ ነዚ ጀረጃ ትምህርቲ ክምሃርዎ ብቕዓት ከምዘለዎም ከነረጋግጸልኹም ንፈቱ።
ደቕና ወይ ባዕልና ቋንቋ ትግርኛ ክንምሃርን ክንመልኽን ዕድል ንሃብ።