Description
ትምህርቲ ቋንቋ ትግርኛ ንማእከሎት ብኣዝዩ ሰፊሕን ምዕቡልን ትሕዝቶ ዝተዳለወ፡ እዚ ደረጃ ትምህርቲ እዚ ምስ ንምሃሮ፡ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ንክንዛረብ፡ ክንጽሕፍ ፡ ክንሰምዕ ከምኡ 'ውን ከነንብብ ጸገም ኣይኽህልወናን እዩ፡ ቋንቋ ትግርኛ ንማእከላይ ዘይተማህረ፥ ቋንቋ ትግርኛ ተማሂረ ወይ ይፈልጥ እየ ክትብል ከቢድ እዩ።
ትምህርቲ ዝጅምረሉ ዕለት፣
ኣብ ዓመት ኣርባዕተ ግዜ ሓደስቲ ተማሃሮ ተቀቢልና፡ ትምህርቲ ቋንቋ ትግርኛ ደረጃ ማእከላይ ትምህርቲ ንምህር። ኣብ'ዚ ታሕቲ ዘሎ ዕለት ብምርኣይ፡ ቅድሚ ትምህርቲ ዝጅምረሉ ዕለት፡ ድቕኩም ቋንቋ ትግርኛ ክምሃሩን ክመልኩን ከተመዝግብዎም ደስ ይብለና።
1ይ ዙር | ትምህርቲ ዝጅምረሉ ዕለት 01/01/2025 |
2ይ ዙር | ትምህርቲ ዝጅምረሉ ዕለት 01/04/2025 |
3ይ ዙር | ትምህርቲ ዝጅምረሉ ዕለት 01/07/2025 |
4ይ ዙር | ትምህርቲ ዝጅምረሉ ዕለት 01/10/2025 |
ትሕዝቶ ትምህርቲ
- መሰረታዊ ሰዋስው ትግርኛ
- ባህሊ
- ዓበይቲ ጽሑፋት ምንባብን ምጽሓፍን
- ትርጉም ኣገደስቲ ቃላት
- ቅኑዕ ኣጸሓሕፋ ቋንቋ ትግርኛ ብሓጺርን ነዊሕን ወ፡ዘ፡ተ …
ውጥን ትምህርቲ
- ንውሓት ትምህርቲ 3 ወርሒ
- ብክልተ ኣቈጻጽራ ሰዓታት ንምህር ( ብናይ ኒውዮርክ ኣመሪካን በርሊን ጀርመንን)
- ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ
- ኣብ መዓልቲ ሰዓትን ርብዕን
ክፍሊ
- ንወርሒ €60
- ንውሓት ትምህርቲ ሰለስተ ወርሒ
- ክፍሊት ኣቀዲምካ ይክፈል
መተሓሳሰቢ፤
ቅድሚ ምምዝጋብና፡ ደቕና ክንምዝግብ ከለና፡ ነዚ ደረጃ ትምህርቲ ብቅዓት ከምዘለዎም ከነረጋግጽ ኣለና፡ ዝዀነ ምክሪ ተደሊኹም፡ ክትረክቡና ብትሕትና ንሓትት።
ቅድሚ ሕጂ ምሳና ተማሂሮም ምስክር ወረቀት ዝሃብናዮም ተማሃሮና፡ ነዚ ጀረጃ ትምህርቲ ክምሃርዎ ብቕዓት ከምዘለዎም ከነረጋግጸልኹም ንፈቱ።
ደቕና ቋንቋ ትግርኛ ክምሃሩን ክመልኹን ዕድልን ንሃቦም።